ኣሜሪካ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን(ዩኔስኮ) ወጺኣ

News 1 week ago VOA - Tigringa 76
ኣሜሪካ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፡ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ምውጽኣ ኣፍሊጣ። ኣሜሪካ ነዚ ዘፍለጠት እቲ ትካል “ጸረ እስራኤል” ኣድልዎ ይገብር እዩ ብዝብል ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ። ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሂዘር ኑረት “ እቲ ውሳነ ብቀሊል ዝረአ ኣይኮነን።  ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ’ቲ ትካል ብዝጸንሓ ጥረጣረን ለውጢ የድልይ ምኳኑ ክትገልጽ ዝጸንሓት ምኳና ብምግላጽ እንተኾነ ኣድልዎ ጸረ እስራኤል ክቅጽል ጸኒሑ’ዩ” ኢለን። ንሰን ብተወሳኺ ኣሜሪካ ምስቲ ትካል ዘለዋ ርክብ ብዘይ ኣባልነት ከምትቕጽል’ውን ኣፍሊጠን። እዚ ውሳኔ ምውጻእ  ኣሜሪካ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ዩኔስኮ ካብ ታሕሳስ 31,2017 ዓ.ም. ተግባርዊ ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ። ዩኔስኮ ብወገኑ በቲ ናይ ኣሜሪካ ውሳኔ ከምዘሕዘኑ ሓቢሩ’ሎ። ዳይሬክተር እቲ ትካል ኢሪና ቦካቮ ብዛዕባ ውሳኔ ምውጻእ ኣሜሪካ ካብ ዩኔስኮ ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዚ ኢለን። “ ከም ናተይ እምነት እዚ ኩሉ ዓመታት ብፍላይ ድማ እዘን ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበረ ሓያል ሽርክነት ናይ ሓሶት እዩ ኔሩ ማለት እዩ። እዚ ጉዳይ ንናይ ወጻኢ ጉዳያት ፖሊሲ ኣሜሪካ ብፍላይ ብጠቕላላ ድማ ንፖሊሲ እታ ሃገር አገዳሲ እዩ ዝብል እምነት እዩ ኔሩኒ።። ስለዚ ነዚ ናይ ሎሚ ውሳኔ ዝሕብር ወግዓዊ ደብዳበ ካብ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ምቕባለይ ዝገልጽ ምስ ዓሙቕ ሓዘን እዩ” ኢለን።  ንሰን ብተወሳኺ ኣሜሪካ ከም ተዓዛቢት ኣብ ጉዳይ እቲ ትካል ተሳትፎኣ ክትቕጽል ፡ ከም ሓንቲ ካብተን መስረቲ እቲ ትካል ብምኳና ናብ ኣባልነት ናይ ምምላስ ዕድል ክወሃብ’ውን ጸዊዓን። ናብ ኣኼባ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘምርሑ ዝነበሩ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ግብረ መልሲ ሃገሩ ካብ ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ዝወሃብ ምኳኑ ድሕሪ ምግላጽ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ዓለም ዝአተወቶ ቃል ክተተግብር ኣለዋ ኢሎም። ኣቐዲማ ኣሜሪካ እቲ ትካል ንፍልስጤም ምሉእ ናይ አባልነት መሰል ብምሃቡ ነቲ ትካል ትህቦ ዝነበረ ሓገዝ ምስራዛ ይፍለጥ።
Read it at the Source

Comments

Loading...
Please Insert Your Name Please Insert Your E-Mail Please Write Your Comment Error Happened